ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣንጎላ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለ ሕማም  yellow fever ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ከምዝተራእየ ተገሊጹ

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣንጎላ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝቐተለ ሕማም yellow fever ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ከምዝተራእየ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 June 2016

Yellew fever

ውድብ ጥዕና ዓለም ብ3 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕማም yellow fever ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ 22 ሰባት ከምዝመዝገበ ሓቢሩ።

ተርእዮ እቲ ሕማም ምስቲ ናይ ኣብ ኣንጎላ ምስፍሕፋሕ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ኣብ ኣንጎላ ዝተራእየ ሕማም yellow fever ቅድሚ ምስፍሕፍሑ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብውሕዱ 7 ግዳያት እቲ ሕማም ምዃኖም ኣይርሳዕን።

 

ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት እቶም ኤርትራውያን ብደረጃ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ምጽራይ ኣብ ኣንጎላ ብውሕዱ ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ከኣ 325 ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይጠቐስ።

እዚ ኣብ ኣንጎላ ዝተራእየ yellow fever፣ ምስ ተጓዓዝቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከይስፋሕፍሕ ሃገራት ኣብ ክታበትን ካልእ ምክትታልን ከድህብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምጽውዑ ይፍለጥ።

ኡጋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእዮም 10ታት ሰባት ከምዝመዝገባ’ውን ገሊጸን ኣለዋ።

ካብን ናብን እዘን ሃገራት ዝንቐሳቐሱ ኤርትራውያን ነጋዶ ይኹኑ ካልኦት፣ ስሩዕ ክታበት ኣንጻር yellow fever ከምዝወሰዱ ከረጋግጹን ካልእ ንምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም ከጋድድ ዝክእል ኩነታት ከወግዱን ይግባእ።

Yellow fever ምስ ሕማም ዓሶ ዝመሳሰል ኮይኑ፣ ረስኒ፣ ቅርጥማት፣ ድኻም፣ ሸውሃት ምዕጻው፣ ሕማም ርእሲ፣ ዕግርግር ምባልን ተምላስንን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘርኢ፣ ብቫይረስ ዝስዕብ ሕማም’ዩ።

ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ምስ ምዃኑ ከኣ፣ ካብ መንከስቲ ጣንጡ ንምልክኻል ልዑል ጥንቓቐ የድልዮ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0