ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኪዳን ከምዝመስረታ ገሊጸን

ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኪዳን ከምዝመስረታ ገሊጸን

Radio Erena: 27 October 2015

5 eth

እተን ብግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ቤንሻንጉል፣ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ጋምቤላን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ሲዳማን ዝተባህላ ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ብ23 ጥቅምቲ ካብ ነርወይ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝዘርግሐኦ መግለጺ’የን ኪዳን ከምዝመስረታ ዝሓበራ።

እተን ውድባት፣ ኣንጻር ኣቲ ጨቛኒ’ዩ ዝበልኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምቅላስ ከምዝሓበራ ምግላጸን’ውን ነቲ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ኣሶሸትድ ፕረስ ይጠቕስ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፣ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን፣ ኣቐዲሞም ከምዝተገማምዑ ዝዝከር ኮይኑ፣ ፍርቆም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ምንቕስቓሶም ክቕጽሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ ቃልሶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከካይዱ ከምዝወሰኑ ይፍለጥ።

 

እዞም ኪዳን ከምዝመስረቱ ካብ ኦስሎ ዝገልጹ ዘለዉ ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ብዛዕባ ምህላዎም ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ኣቐዲመን ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ተቓወምቲ ውድባት ደምህት፣ ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ግንቦት ሸውዓተን ምንቕስቓስ ዓፈርን ናይ ሓባር ግንባር ከምዝፈጠራ ምግላጸን ኣይርስስሳዕን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ኦነግ’ውን ምስቶም ውድባት ንምሕባሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ድፍኢት ይግበረሉ ከምዘሎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ከምዘይሓበረ ምንጭታት ዜና ኢትዮጵያ የረድኡ።

ድሕሪ ምምስራት ሓባራዊ ግንባር እተን ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ኣቦ መንበር ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ- ደምህት ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ኣማኢት ኣባላት ሰራዊቱ ሒዙ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሰለመ ኣይርሳዕን።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0