ሓሙስ 14 ጥሪ ዝካየድ ምርጫ ኡጋንዳ፣ ናዕቢ ከየጎሃህር ተሰጊኡ

Radio Erena: 12 January 2021

ኡጋንዳ፣ ሓሙስ 14 ጥሪ ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ’ያ።

ኣብዚ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒን ከም ቦቢ ዋይን ዝኣመሰሉ ለውጢ ዝደሉ ፖለቲከኛታትን ዝተሃላለኽሉ ዘለዉ ምርጫ፣ ናዕብን ዕግርግርን ከይጎሃሃር ተሰጊኡ ምህላዉ፣ ሓያሎ ኤምባሲታት ንዜጋታተን መጠንቀቕታታት የቕርባ ኣለዋ።

ፌስቡክ ብወገኑ፣ ብመንገዲ’ዚ ማሕበራዊ ሜድያ ዝካየድ ናይ ጽልኢን ካልእ ናይ ምድንጋርን ዘመተ ንምውጋድ፣ ናይ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ሕሳብ ኣደስኪሉ ኣሎ።

ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ክውላዕ ካብ ዝኽእል ናዕብን ዕግርግርን፣ ግዳያት ከይኮኑ፣ ዘየድሊ ምንቅስቓሳት ክድርቱ ይግባእ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0