ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተኣሲሩ

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተኣሲሩ

Radio Erena: 11 February 2019

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ የማነ፣ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ፈጺምዎ ዝብሃል ምጥፍፋእ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ።

ኣቶ ብርሃነ፣ ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሒሳብ ከጻሪ ናብ ቴልኣቪቭ ከይዱ እኳ እንተነበረ፣ ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ክነሱ ብዝግባእ ከይሓበረ ብምሕላፉ ከምዝተኣስረ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ዘመልክት።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብቶም ኣብ እስራኤል ካብ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተኣከባ ገንዘብ ብምጥፍፋእ ብቐዳምነት ካብ ዝተኣስሩ ኣባላት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ዩ።

ሓላፊ ሒሳብ ናይቲ ሚኒስተሪ ነበር፣ ኣቶ ብርሃነ የማነ ድማ፣ ብደረጃ ጸሓፊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ተሳሒቡ’ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

ኣብ እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ገጢምዎን ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ካብእቶም ዝርከብ ገንዘብ፣ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ንውልቃቂ ረብሓታቶም ከምዝጥቀምሉ ብሰፊሑ ይዝረበሉ’ዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዘለዋኤምባሲታት ኤርትራ’ውን ምስ ስግረ ዶብን ካልእን ብዝተሓሓዝ ሕጋውነት ዘይብሉ ኣታዊታት ከምዘኻዕብታ’ዩ ዝንገር።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0