ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ

ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ

Radio Erena: 11 February 2019

ሓያሎ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ይኹ’ምበር፣ እተን ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈራ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትር ዘካይድኦ ዘለዋ ምግፋፍ ዓሳ፣ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ የረጋግጹ።

እተን ዘመናዊ መግፈፊ ዓሳ ዝተገጥመን ጀላቡ፣ ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክጸንሓ ኣብ ዝፍቀደለን እዋናት፣ ገደብን ምቁጽጻርን ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘላ’ውን ኣረጋጊጾም።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፣ ብዛዕባ’ቲ ብግብጻውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምግፋፍ ዓሳ ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ’ውን፣ ተፈቐዲዎም’ዩ ይግፈፉ ግደፍዎም ዝብል መልሲ ከምዝተላእከሎም ኣነጺሮም።

ትካላት ግብጺ፣ ክፍሊት ናይቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዘካይድኦ ዘለዋ ደረት ኣልቦ ምግፋፍ ዓሳ፣ ንመንን ብኸመይን ይፍጸም ኣሎ’ውን ዝተፈልጠ ነገረ ኣይኮነን።

ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈራት ዓበይቲ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትር ከምዚ ዓይነት ምግፋፍ ዓሳ ከካይዳ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

እዘን ኣብ ንግዲ ዓለም ዝተዋፈራ ትካላት ግብጺ ዘካይድኦ ዘለዋ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ፣ ክዕቀቡ ዝግብኦም ዓይነት ዓሳታትን ትሕተ ባሕራዊ ሃብትን ይበርስ የብርሳ ከይህልዋ ስግኣት ከምዘሎ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ውገናት የተሓሳስቡ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0