ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ካብ ስፖርታውያን ብመልክዕ ህያብ ጉቦ ከምዝቕበሉ ተቓሊዑ

Radio Erena: 30 March 2017

commission sport

ሓያሎ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምጋሽ ዕድላት ካብ ዝረኽቡ ስፖርታውያን ብመልክዕ ህያብ፣ ጉቦ ከምዝቕበሉ ምስቲ ኮሚሽን ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ሓለፍቲ ፈደረሽን ኣትለቲክስ፣ ብናይ ውልቆም ንዝወዳደሩ ኣትለታት፣ መንቀሳቐሲ ወረቐት ንምድላው፣ መውጽኢ ቪዛ ንምርካብ ናብ ኢምግሬሽን ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ብዘይመሰናኽል ንኽጽሕፍሎም፣ ጉቦ ብመልክዕ ህያብ ምሃብ ልሙድ ተርእዮ ብልሽውና ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ከም ሰዓት፣ ጨናን ክዳውንቲን ዝኣመሰለ ነገራት፣ ወጻኢ ሃገራት ዝገሹ ስፖርተኛታት ንሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ከም ህያብ ክማልኡሎም ከም ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ዘዘኻኸረ እቲ ምንጪ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ጥረ ገንዘብ ምስ ካልእ ህያባት ተሓዊሱ ይወሃቦም ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ሓለፍቲ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ’ውን ካብቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምጋሽ ዕድላት ዝረኽቡ ኣሰልጠንቲ ብተመሳሳሊ መልክዕ ጉቦ ከምዝቕበሉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የነጽር።

እዚ ብሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ምስ መገሻ ስፖርታውያን ተተሓሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ጉቦን ብልሽውናን ፣ ኣብ ዝበዝሑ ስፖርታውያን ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ መብዛሕቶም ተጋደልቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝነበሩ ምዃኖም ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0