ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶብ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም

Radio Erena: 30 March 2017

Sudan Ethio

ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶብን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ዘተኮረ ዘተ ኣብ ካርቱም ከምዘካየዱ፣ መንግስቲ ሱዳን ብ28 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዘተ፣ ካብ ወገን ሱዳን ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሌተናት ጀነራል ዒማድ ኣልዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ ዝመርሖ ወኪል ላዕለዋይ ወትሃደራዊ መኮንናት ክሳተፍ እንከሎ፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ድማ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ስርሒታት ሰራዊት እታ ሃገር ሌተናት ጀነራል ኣብርሃም ወልደማርያም ዝመርሖ ልኡኽ’ዩ ተሳቲፉ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶብ ዘተኮረ ተደጋጋሚ እዋን ርክባት ከምዘካይዳ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ካብን ናብን ዶባተን ንዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ካልእ ገበናትን ንምግታእ ኣብ ዶባተን ሓባራዊ ሰራዊት ንምውፋር ውጥን ከምዘለወን ይገልጻ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይኹኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን እናሰገሩ፣ ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው’ዮም ዝሕልኑ።

ፍኑው ዋሕዚ ንምግታእ ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዶባተን ንኽቆጻጸራ ፈተነታት የካይዳ እኳ እንተኾና፣ ኣብ ግብሪ ግና ዛጊት ክዕወታሉ ኣይከኣላን።

ነቲ ፈተነታት ክዕወታሉ ካብ ዘይክኣላ ሓደ ሓደ ምኽንያት፣ ዋሕዚ ናብ ስደት ከም ከቢድ ስግኣት ስለዘይጠመትኦን ሓያሎ ካብ ኣባላት ጸጥተአን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተዋፈሩን ምዃኑ ጸብጻባት ሃገራት ኤውሮጳ የመልክት።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0