ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ሸለልትነት ከምዘለዎም ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ወቒሱ

ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ሸለልትነት ከምዘለዎም ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ወቒሱ

Radio Erena: 22 October, 2014

Human Tra

ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ሸለልትነት ኣለዎም ክብል ካብ ዞባ ከሰላ ኣባል ባይቶ ሱዳን መሓመድ ኤል ጣህር ዑሻም ወቒሱ።

ኣባል ባይቶ ሱዳን መሓመድ ጣህር ነዚ ዝገለጸ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራ ናይ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን (IOM) ከምኡ ድማ ወከልቲ 15 ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተሳተፍዎ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ዝዓለመ ዋዕላ’ዩ።

 

እቲ ምስ ኤርትራ እትዳወብ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ እትርከብ ከባቢ ሃመሽኮረብ ዝወከለ ኣባል ባይቶ ሱዳን ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብን ኣብ ሰለስተ ዞባታት ምብራቕ ሱዳን ብዝተዘርግሐ መርበባት ብዝተወደበ ምልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ምግታእ ሸለልትነት ከምዘለዎም ብምውቃስ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ክነጥፋ ንዝተታሕዛ መካይን’ውን ብጉቦ ናብ ዋናታተን ከምዝመልስወን ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ’ቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ዝተባህሉ ሓያሎ ሱዳናውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ’ውን ምጽራይ ክግበረሉ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብምስግጋርን ምሻጥን ደቂ ሰብ ገበነኛት ኮይኑ ዝተረኽበ ካብ ዓሌታ ራሻይዳ ሱዳናዊ ን10 ዓመታት ክእሰር እኳ እንተተፈርዶ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ወርሒ ከይጸንሐ ከምዝሃደመ ይዝከር።

ሓያሎ ወትሃደራያን መኮንናት ሱዳንን ኤርትራን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ኢድ ከምዘለዎም ብተደጋጋሚ እዋን ዝቀረብ ወቐሳ’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0