‘’ሓለዋ ከተማ ጁባ ክቕጽል’ዩ’’ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን

Radio Erena: 30 April 2017

Jubaቅልውላው ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ’ዩ ተባሂሉ ንተላበዐ ወረ ክሳብ ዝጻረይ፣ ሰራዊት መንግስቲ ንጎደናታት ከተማ ጁባ ዝገብሮ ዘሎ ከቢድ ሓለዋ ክቕጽል ምዃኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር ገሊጾም።

ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ብዓርቢ 28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ’ዩ ዝተባህለ ወረ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሳልቫ ኪርን ተቓወምቱን ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ዳግማይ ምፍሕፋሕ ኲናት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነታት፣ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ ጁባ፣ ብሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታን ከቢድ ሓለዋ’ዩ ክካየድ ቀንዩ።

 ወሃብ ቃል ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኮሎኔል ሳንቶ ዶሚክ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ስልጣኑ ንሰራዊት ከረክብ’ዩ ተባሂሉ ዝተላበዐ ወረ፣ ኮነ ኢልካ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን፣ ህዝቢ ንምልዕዓልን ተባሂሉ ዝተናፈሰ ናይ ሓሶት ወረ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ንዝኣተዉዎ መብጽዓ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ 28 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ‘ኲናት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ’ ድሕሪ ምባል፣ ኩሎም ወገናት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ካልኦት ትካላትን ምትሕብባር ከርእዩን፣ ስምምዕ ሰላም 25 መጋቢት ከኽብሩን ጸዊዑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0