ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማልን ኢትዮጵያን ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 25 August 2021
ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታ ክተሓባበራ ዘኽእለን መንገዲ ንምንዳይ፣ ርክብ ምክያደን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።
ኣብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ብዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ኣቐዲሞም ንዝተበጽሑ ኣፈናዊ ስምምዓት ብዕምቆት ንምዝታይን፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝህሉ ናይ ጸጥታ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ምንባሩ ተሓቢሩ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል ዖዳዋ ዩሱፍ ራገ፣ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንግኡ ብርሃኑ ጁላ ዘተ ምክያዶም ዝጠቐሰ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ሶማል ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኣልቃዒዳ ንዝካየድ ኲናት ንሶማል ትሕግዝ ስለዘላ፣ ንሕና’ውን ሓገዝ ክንህብ ሓላፍነት ኣለና ኢሉ።
እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ኣይተገልጸን።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጠርነፉ ወተሃደራት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ እያ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0