ውልቀ መላኺ ሑሴን ሃብረ፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ሞይቱ

Radio Erena: 25 August 2021

ንጫድ ብሕሱም ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ዘመሓድር ዝነበረ ፕረዚደንት ሑሴን ሃብረ፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከምዝሞተ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ሑሴን ሃብረ ብዕልዋ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝተባረረሉ እዋን ኣብ ዝነበረ ዕድመ ስልጣኑ፣ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻሙ እዩ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘቖሞ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንሕልፈት ዝተፈርደ።
ሃብረ ኣብ 1982 ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፣ ገበናት ኲናት፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ምስዋር ዜጋታት፣ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ቤት ማእሰርታት ምድጓን ዝርከቦም ሓያለ ክስታት እዩ ቀሪቡሉ ኔሩ።
ብጭካኔኡ ’ኣፍሪቃዊ ፒኖሸ’ ዝብል ቅጽል ስም ወጺዎ ዝነበረ ሃብረ፣ ብሞት ልዕሊ 40 ሽሕ ዜጋታቱ እውን ክሲ ቀሪቡሉ እዩ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ዓድታት ብምቅጻል፣ ፍሉይ ቅያ ፈጺሞም ንዝበሎም ወተሃደራቱ ደቀንስትዮ ከም ሽልማት ብምሃብ ኣደዳ ዓመጽ ብምዃነን፣ ንስቓይን መግረፍትን ጥራይ ዘገልግሉ ቤት ማእሰርታት ብምስፍሕፋሕ እውን ይኽሰስ እዩ።
ኣብ 2016 ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ጉዳይ ሑሴን ሃብረ ቀሪቡሉ ክነሱ፣ ተገዳስነት ብዘይምርኣዩ እዩ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሱ ግዚያዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ሰኔጋል ብምቛም ነቲ መስርሕ ፍርዲ ኣካዪዱዎ፣ ዝብል ትንታነ ኣብ እዋኑ ተዋሂቡዎ እዩ።
ሑሴን ሃብረ፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ’ዩ ብኮቪድ19 ተለኺፉ ኣብ መበል 79 ዓመቱ ሞይቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0