ሑቲ፣ ንግዳዊ መራኽብ ናብ ዝመላለሳሉ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይል ተኵሱ ክትብል ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ወቒሶም

Radio Erena: 10 March 2022

ስትራቴጃዊ ገማግም ተቆጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ሑቱ፣ ንግዳዊ መራኽብ ናብ ዝመላለሳሉ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሚሳይል ከምዝተኮሱ፣ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ወቒሶም።

ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ስሞም ንዘይገለጾም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፣ ናብቲ መዓልታዊ 10ታት ንግዳዊ መራኽብ ዝመላለሳሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይል እኳ እንተተኮሰ፣ ዘውረዶ ዕንወት ኮነ መሰናኽል ግና ኣይነበረን።

ይኹን’ምበር ሑቲ ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ናይ ምፍጻም ተኽእሎ እንተለዎ፣ ነቲ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ከምዝኽእል፣ ኣብ ክሊ ማያት ማእከላይ ምብራቕ ተዋፊሩ ዝርከብ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ገሊጹ።

ሑቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕታት ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

ወትሃድራዊ ሚዛን የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ‘ጸላእቲ የመን’ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት መጥቃዕታት ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0