ሑቲ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ክልተ ደቂ ፕረዚደንት የመን ነበር ብምሕረት ፈቲሑ

ሑቲ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ክልተ ደቂ ፕረዚደንት የመን ነበር ብምሕረት ፈቲሑ

Radio Erena: 04 October 2018

Ali Abdela saleh

ብኣመንቲ ሺዓ ዝምራሕ ሑቲ፣ ቀይድዎ ዝጸንሐ ክልተ ደቂ ፕረዚደንት የመን ነበር ብምሕረት ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።

ሑቲ ንደቂ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝፈትሓሉ ምኽንያት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ንየመን ን32 ዓመታት ዝመርሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ምስ ሑቲ ብምዃን ኣንጻር እቶም ብስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፉ ዕጡቓት’ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ነቲ ምስ ሑቲ ዝኣተዎ ኪዳን ብምርሕራሕ፣ ምስቲ ናይ ኢማራትን ስዑድድድዲን ወገን ድሕሪ ምጽንባሩ፣ ሑቲ ብዘካየደሉ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ሑቲ፣ ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ንደቁ፣ ሓዉን ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ብጅምላ’ዩ ኣሲርዎም።

እንተኾነ ብዛዕባ ሃለዋት ሓው እቲ ፕረዚደንት ነበርን ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ሓያሎ ሃገራት፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣንጻር ሑቲ ጽዑቕ መጥቃዕታት የካይድ እኳ እንተሎ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ’ውን ወትሃደራዊ ጸብለልታ ከምዘለዎ ዝግለጽ ሑቲ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ይርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0