ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቕሉ 3 ጥቅምቲ ይዝከር

ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቕሉ 3 ጥቅምቲ ይዝከር

Radio Erena: 03 October 2018

Lampedusa Tragedy

ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር፣ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቕሉ መበል ሓሙሻይ ዓመት ይዝከር።

ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013፣ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 400 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ድሕሪ ዘጋጠማ ባርዕ ሓዊ፣ ድሕሪ ምጥሓላ፣ ህጻናትን ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 350 ካብኣቶም ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

እቲ ንመላእ ዓለም ዘሕዘነ ትራጄዲ፣ ኢጣልያ እትርከበን ሃገራት ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጃሉ እንከለዋ፣ ዝበዝሑ ግዳያት እቲ ሕእደጋ ዜጋታቱ ዝኾኑ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

ዝበዝሐ ሬሳ ናይቶም ግዳያት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝርከብ ጋህስታት’ዩ ተደፊኑ ዘሎ።

ድሕሪ’ዚ ሓደጋ’ዚ፣ ኣብ ውስጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት ሓያሎ ጀላቡ ኣብ ማእክለያ ባሕሪ ክጥሕላ እንከለዋ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ጥሒሎም’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0