ሑቱ፣ ብስለያን ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ቲ ውድብን ንዝኸሰሶም ትሽዓተ ሰባት ብሞት ቀጺዑ

Radio Erena: 20 September 2021

ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ቅትለት ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ቲ ውድብ ንምትሕብባር ኣብ ስለያ ተዋፊሮም ንዝበልዎም ትሽዓተ ሰባት ብሞት ቀጺዖም።

እቶም ብቀዳም 18 መስከረም፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ፣ ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ዝተረሸኑ ትሽዓተ የመናውያን፣ ከም ፕረዚደንት ናይቲ ብሑቲ ዝምራሕ መንግስቲ ንዝፍለጥ ሳልሕ ኣል ሳማድ፣ ኣብ ሚያዝያ 2018፣ ብደብዳብ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ንኽቕተል፣ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ካልእ ስለያዊ ስርሓትን ተዋፊሮም ዝብል ክሲ’ዩ ተመስሪትሎም ጸኒሑ።

ሑቲ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፣ ዶናልድ ትራምፕ፣ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን እስራኤልን ዝርከብዎም፣ ኣስታት 60 ሰባት ዝሓዘ ናይ ክሲ ሰነድ’ዩ ኣቐሪቡ።

ሒዝዎም ካብ ዝጸንሐ ሓያሎ ሰባት፣ ነቶም ቀንዲ ዝበሎም ትሽዓት ሰባት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክርሽኖም እንከሎ፣ ካልኦት’ውን ከስዕብ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ንቕትለት ናይዞም የመናውያን ዝተቓወማ ኣጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሓደ ካብኣቶም፣ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ከምዝተታሕዘ ኣመልኪተን።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0