18 መስከረም 2001 ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ትዝከር

Radio Erena: 19 September 2021

18 መስከረም ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን፣ ብኤትራውያን፣ ፈተውቲ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን በርጌሳውያን ማሕበራትን ተዘኪራ።
እዞም ዝኾነ ፍርዲ ይኹን ናብ ቅድሚ ሕጊ ከይቀረቡ ኣብ ማዕሙቕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡ ዜጋታት 20 ዓመታት ኣቑጺሮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እውን እንተኾነ፣ ደሃዮም ጠፊኡ ይርከብ።
መስከረም 2001፣ ጸሊም ነጥቢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝመዝገበት ወሪሒ’ያ ክብሉ ዝገለጹዋ ፖለቲከኛታት ኤርትራ፣ ብተመሳሳሊ ናጽነት ፕረስ እውን ምስ’ቶም ጋዜጠኛታት ዝተኣስረሉ እዋን’ዩ ኢሎም።
መንግስቲ ኤርትራ ብምዕፋን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይርከቦ ዝኸፈአ ደረጃ ሒዙ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ንዜጋታቱ ዝኣበስዎ ዘይብሎም ብከምዚ ዓይነት ጭካነ ን20 ዓመታት ክስውሮም፣ ምስ ኣረሜንነት ዝስራዕ ስጉምቲ’ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት ምረቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት፣ ብኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ሕሱም ጭካነ ወጺኡ፣ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ንጽውዕ ኢሎም።
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤት ማእሰርታት፣ ግቡእ ጽሬት ዘይብሉ፣ ዋሕዲ ማይን ካልእ ኣገልግሎታትን ዘጥቀዖ፣ እኹል ቀረብ መግብን ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ልዕሊ ዓቕሙ እሱራት እውን ዝሓዘ እዩ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጾ።
ብፍላይ’ቶም ኣርካናት ጋዜጠኛታት 20 ዓመት ኣብ ሸላላታት ተቐዪዶም እንዳሃለዉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ምልክትን ኣርማን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ተቖጺሮም ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲን ስርዓተ ሕጊን ከም መራሕቲ ክረኣዩ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0