ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ሓድሽ ማዕበል ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ጀሚሩ

Radio Erena: 09 January 2022

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ሓድሽ ማዕበል ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ጀሚሩ።

ካብ ከተማ ሰንዓ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ብቀዳም 8 ጥሪ ነፈርቲ ውግእ’ቲ ልፍንቲ፣ ብውሑዱ 45 ግዜ ደብዳብ ከምዘካየዳ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሰንዓን፣ ደቡባዊ ክፋል የመንን ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ ዝተጎድኡ ሰባት ጸብጻብ ኣይተዋህበን።

ኣቐድም ኣቢሉ ሓይልታት ሑቲ፣ ወተሃደራዊ ቀረባት ዝጸዓነት’ያ ዝበሉዋ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ እትውነን መርከብ ድሕሪ ምሓዞም፣ ስዑዲ ዓረብ ብኡ ንብኡ ክሲ ኣቕሪባ እያ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ገማግም ማያት የመን ቅርሰና ብምክያድ፣ መድሃኒትን ካልእ ናውቲ ሕክምናን ዝሓዘት መርከብ ጨውዮም ብምባል እያ ክሲ ኣቕሪባ።

ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብዚ ሳልስቲ ጀሚረንኦ ዘለዋ ማዕበል ደብዳባት ነፈርቲ፣ ግብረ መልሲ ናይዛ ሓይልታት ሑቲ ዝሓዙዋ መርከብ ንምዃና፣ መግለጺ ኣይተዋህበን። እንተኾነ እታ መርከብ ወተሃደራውያን መካይን፣ ጠበናጁ ዝመልአ ኮንተይነራትን ካልእ ወተሃደራዊ ቀረባትን ዝጸዓነት ምንባራ ሓይልታት ሑቲ ይገልጹ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሓይሊ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣጋር ሰራዊቱ እውን የንቀሳቕስ ምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ክወርድ ዝኽእል ህልቂት ኣሻቓሊ ኮይኑ ምህላዉ ጸብጻባት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0