ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ዓመታዊ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ናይ ወደብ ዓሰብ ክራይ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸፍላ ምህላወን ተሓቢሩ

Radio Erena: 11 May 2017

Assab EG

ንወደብ ዓሰብ ዝግልገላሉ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ዓመታዊ ካብ 500 ሚልዮን ክሳብ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ንመንግስቲ ኤርትራ ይኸፍላ ምህላወን ንናይ ኤውሮጳ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ሓቢራ።

ንወደብ ዓሰብ ናብ የመን ኣብ ዝቐንዐ ወትሃደራዊ ስርሒታት እትግልገለሉ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣምሳይኡ ንመንግስቲ ኤርትራ ሚልዮናት ዶላራት ትኸፍል ከምዘላ ተደጋጊሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ማዕከናት ዜና ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ሕቡራት ኢማራት ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ጥራይ ትጥቀመሉ ከምዘላ ብምግላጽ፣ ኣምሳይኡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተኸፍለ ገንዘብ ከምዘየለ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ናብ የመን ዝቐንዐ መደበራት ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝርከቦ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ’ውን ወትሃደራት መንግስቲ የመን የሰልጥን ከምዘሎ ይሕበር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመንን ክሊ ማይ እታ ሃገርን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ፣ ገፈፍቲ ዓሳን ስደተኛታትን ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ይገብራ ከምዘለዋ’ውን ንምንጭታት ብምጥቃስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣተሓሳሲባ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0