‘ልዕልና ሕጊ ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ቅነ ልዕልና ሕጊ ይጽንበል ኣሎ’

Radio Erena: 09 December 2021

ዜጋታት በብዝተኣስርዎ ኣብ ዝጠፍኡላ ኤርትራ፣ መንግስቲ ድማ ብዘይገደብ ስልጣን፣ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ዘመሓድራ ዘሎ ሃገር፣ ቅነ ልዕልና ሕጊ ይጽንበል ምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሽካዕላል’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርይእቶ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ ኣለዉ።

ልዕልና ሕጊ ማለት፣ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ብምሉኦም፣ ካብ መራሒ ጀሚርካ፣ ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ንሕጊ ተማእዘዝቲ ምስ ዝኾኑ ማለት’ዩ ዝበሉ ወሃብቲ ርይእቶ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሕጊ ክሓትትስ ይትረፍ ክነቕፍ’ውን ዝኽእል ኣካል ዘየሎ ክነሱ፣ ቅነ ልዕልና ሕጊ ምጽንባል፣ ህዝቢ ንምትላል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዒላማ ከምዘይብሉ ይጠቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብ 1997 ተነዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም፣ዛጊት ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ይፍለጥ።

እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፣ እቲ ናይ 1997 ቅዋም ከምዝምተን፣ ካልእ ሓድሽ ቅዋም ክረቅቕ ምዃኑን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣብዚ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቅነ ልዕሊና ሕጊ፣ ዜጋታት ምድላዋት ንትግባረ ናይቲ ኣብ 2015 ዝተነድፈ ሕጊ ክፈልጡን ናጻ ምኽሪ ክረኽቡን ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ዝእንፍት።

ይኹን’ምበር፣ ብዛዕባ ዝተኣስሩ ወገናትካ ኣፍካ መሊእካ ዘይትሓተሉን፣ ገበን ዝፈጸመ ናብ ሕጊ ይቕረብ ኣብ ዘይትብለሉን ሃገር፣ ብዛዕባ ሕጊ ፍለጡን ናጻ ምኽሪ ድማ ርኸቡን ምባል እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ንምርድኡ’ውን ከምዘጸግም ገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርዘር ዘሎ ርእይቶታት የመልክት።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Stefanos Temolso 2 years ago

    ህግደፍ ከምኡ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ እናታለለ ክነብር’ዩ። ሕጂ ድማ ሓድሽ ትያትሮ ጀሚሩ ማለት’ዩ። ጽባሕ ንግሆ 2022 ምስ ኣተወ ድማ እንታይዶስ ኣበይዶስ እናበሉ ንዓሰርተ ዓመት ክጸንሑ እዮም። ናይ ህግደፍ ቋንቋን ሜላን ጠፊኡና ኣይኮነን። ዓቕሊ ጥራይ!!