ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ስለያ ኡጋንዳ እገዳ ኣንቢሩ

Radio Erena: 09 December 2021

ኣመሪካ፣ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ተተሓሒዙ፣ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ስለያ ኡጋንዳ፣ ሜጀር ጀነራል ኣቤል ካንዲሆ ንዝርከቦም ዝርከቦም መኮንናት ከምዘንበረት ተገሊጹ።

እቲ ብክፍሊ ግምጃ ሃገር ተመሪሑ ብ07 ታሕሳስ ዝተመሓላለፈ እገዳ፣ ኣብ ቁጠባን ፋይናንስ ዘተኮረ’ዩ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዘይሕጋዊ ምእሳርን ግፍዕታትን ዝኣመሰለ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ኣለዉ ብዝብል ክሲ፣ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ከይወሃቦም ዝእግድ ትእዛዝ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣሕሊፉ’ዩ።

እቲ ምምሕዳር፣ ኣቐዲሙ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ንሓያሎ ሰበ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ከይወሃቦን ክኽልክል እንከሎ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ፣ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ድማ ኣብ ፋይናንስ ዘተኮረ እገዳ ከምዘንበረሉ ይዝከር።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ትካላት ህግደፍ፣ ከምኡድማ ሓላፊ ቁጠባ ናይቲ ትካል ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወትን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ክሳብ ተወሳኺ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0