ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ዝሳተፍዎ ዋዕላ ተበግሶ ቤልት ኤንድ ሮድ ኣብ ቻይና ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 24 April 2019

ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ዝሳተፍዎ ካልኣይ ዋዕላ ተበግሶ ቤልት ኤንድ ሮድ፣ ካብ 25 ክሳብ 27 ሚያዝያ ኣብ ቻይና ክካየድ’ዩ።

እዚ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ሜዲተራንያን፣ ርሑቕ ኤስያ፣ ሰለማዊ ውቅያኖስ፣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብንግድን ወፍሪን ንምትእስሳር ዝዓለመ፣ ተበግሶ ቤልት ኣንድ ሮድ፣ ኣብ 2013’ዩ ብቻይና ቆይሙ።

እዚ ተበግሶ፣ ቻይና፣ ንንግዲን ወፍርን ዓለም ንምዕብላል እትገብሮ ዘላ ናይ ቁጠባ ምንቅስቓስ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝጠቐስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ 126 ሃገራርትን 29 ኣህጉራውያን ትካላትን ተሳተፍቲ እዚ ናይ ቻይና ተበግሶ ክኾና እንከለዋ፣ ኣብ ኣብ መንጎ ቻይናን ዙርያኡን ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ፣ 1.3 ትሪልዮን በጺሑ ኣሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0