ኢትዮጵያን ፈረንሳን፣ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ናብ ትግባረ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ተዘራሪበን

Radio Erena: 22 April 2019

ኢትዮጵያን ፈረንሳን፣ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ትግባረ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ብዝምልከት ከምዝተዘራረባ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጀነራል ኪንዱ ገዙ ተገኝ ዝምርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ናብ ፈረንሳ ብምብጻሕ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክውንኖ ብዛዕባ ዝግባእ ዓይነት ንብረትን ዓቕሚ ሰብን ብዝምልከት ተመያይጦም።

ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ፈረንሳ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ምሽብሻብ ካብ እትጅምረሉ፣ ብጀነራል ክንዱ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ እታ ሃገር ናብ ፈረንሳ ምብጻሕ ከካይድ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብምብጻሕ ተመሳሳሊ ምይይጣት ከምዘካየደ’ውን ይፍለጥ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ ኣብ መጀመርያ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፣ ኣድሚራል ጄምስ ፎጎ፣ ብምርኻብ፣ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዝህልዎ ጽልዋን ተዘራሪቡ’ዩ።

ኢትዮጵያ ብሓገዝ ፈረንሳ እተቖሙ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣበይ ከምዝድኮን ዛጊት ብወግዒ ኣየፍለጠትን።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ ሓንቲ ካብ ዓብየቲ መጽሔታት ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ባጽዕ ከምዝቐውም’ዩ ኣቃሊዑ።

እንተኾነ፣ ካድራት ህግደፍ፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ጎስጓስን ዘመተን ሰሚናራት፣ ኢትዮጵያ እተቑሞ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ ከምዘይከውን ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    በፍጽም ኣብ ሉእላዊት ሃገረይ ኤረትራ ኢንተ ዳኣ ገራ ሳዕበኒ ክከፍእ ኢዩ ስጋ ስዋኣት ንሃገረ ቢሂወት ክሓልፈላ ይምሕል ኣለኩ ስጋ ስዋኣት ኤርትራ

  • comment-avatar

    The. ERITREAN. MUST. STAND. And fight. Against. Shania
    Essays. IS tigrian Yemane meme tigrian
    Ethiopian in particular.
    Amharans. DONOT. Dream. To get
    Add an. Or. Masawa.

  • comment-avatar
    መሪር 5 years ago

    ህግደፍ ነዚኣ እንተ ወሲኑዋ ንህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ እዩ። እቲምንታይሲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ብዓደይ ዓድኻ ካልእን ምፍልላይ ዘጥፍእን ስለዝሰምርን መን ተደናጋጺ ኤርትራዊን ኢትዮጵያውን ዘፈላሊ ዓቢ ባብ ጥርናፈ ስለዘርሑን።
    Pfdj is next of beshr