ልዕሊ 200 ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ ኣብ ብራስለስ ተኻዪዱ

ልዕሊ 200 ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ ኣብ ብራስለስ ተኻዪዱ

Radio Erena: 16 December 2018

EU on Eriልዕሊ 200 ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጅዩም ብራስለስ ተኻዪዱ።

ኣብዚ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሓላፍነታዊ ኣገባብ ምሕደራ ዋሕዚ ስደተኛታት ይኸውን ዝብልዎ ኣማራጺታት ዘቕርቡሉ ዘለዉ እዋን ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን ዳግም ክጣየሱን ከምኡ’ውን ድሕነቶም ክረጋገጽ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብቲ ብረቡዕ 12 ታሕሳስ ተኸፍተ ዋዕላ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ምሕዝነት ኣሐዲሰን ክነሰን፣ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ገና ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ብምህላዉ ዘስዓቦ ብዝሒ ካብ ሃገሮም ናይ ዘምልጡ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ምውሳኽ መሸጣ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ዘሕልፉዎ ዘለዉ መከራ፣ ውጻእ መዓት ብዝኾኑ ዜጋታት ናይ ዓይኒ ምስክርነት ድሕሪ ምቕራቡ፣ ብሰፊሑ ተዘትዩሉ።

ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዘሰምብድ ኣገባብ ብምንሃሩ፣ መዓልታዊ ካብ 350 ክሳብ 600 ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለዉ፣ ወኪል ምሕደራ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣፍሪቃውያን መራሕትን ወከልቲ መንግስታትን፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራን ሊብያን ዘሎ ኩነታት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም። ‘ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ዝሰማዕኩዎ ዛንታታት’ዞም ኤርትራውያን ዘስካሕክሕ እዩ’ ብምባል ቃሉ ዝሃበ፣ ነቲ ዋዕላ ዝኸፈተ ምኽትል ፕረዚደንት ሕብረ-ኣፍሪቃዊ ባይቶ ቺፍ ፎርቹን ቻሩምቢራ፣ ‘ምስክርነታቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘበናዊ ባርነት ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ፣ እዚ ንኸቋርጽ ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ኣሎና’ ኢሉ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝጅምር ሓድሽ ዓመተ 2019፣ ኤርትራ ናይቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝምወል ጸረ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኾነ መደብ ክትርከብ ምውሳኑ ኣዝዩ ዘሰክፍ ምኻኑ ዝገለጹ ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምስ መሸጣ ሰባት ዘለዎም ምትእስሳር ዘርኢ መርትዖታት ቀሪቡ እንከሎ፣ ንኤርትራ እዚ ሓላፍነት’ዚ ክወሃባ ስግንጢርነት ምሕደራ’ዩ ኢሎም።

እቶም ኣብ ከተማ ብራስለስ ዝተጋብኡ ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነት ክህቦም ዝርከቦ ዝተፈላለየ ነጥብታት ዘጠቓለለ ለበዋ ኣመሓላሊፎም።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0