ሶማል፣ ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበረ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ተቓውሞ የለዓዕል

ሶማል፣ ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበረ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ተቓውሞ የለዓዕል

Radio Erena: 17 December 2018

Muktar Robow

ምክትል መራሒ ኣልሸባብን ኣፈኛ ናይቲ ሽበራዊ ጉጅለን ነበር ሙክታር ሮቦው ምእሳሩ ተቓውሞን ግጭታትን ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ካብታ ሞቛድሾ ሓቢረን።

እቲ ሳልስቱ ቀጺሉ ዘሎ ናዕብታት፣ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኢዱ ዝሃበ ‘ሞ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ንምኽወዳደር ጎስጓስ ድሕሪ ምጅማሩ ዝቐየዶ ሙክራት ሮቦው ክፈትሕ ዝጽውዕ’ዩ።

ዛጊት ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ናዕብን ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥን ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ ኣሎ።

ሙክታር ሮቦው፣ ንደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ብምውካል’ዩ ንምርጫ ክወዳደር ተበጊሱ።

ይኹን’ምበር እቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ መራሒ ኣልሸባብ ነበር፣ ኣብቲ ጓስጓስ ዝጀመረሉ ዞባ ጽልዋ ከሕድር ብምኽኣሉ ዝሰግአ መንግስቲ ሶማል፣ ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ከምዝተሓዝ ጌርዎ ከምዘሎ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንሙክታር ሮቡው ድሕሪ ምሓዙ ምስ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ሶማል ብምዃን ናብ ሞቛድሾ ኣግዒዞሞ ከምዘለው ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፣ ብቀዳም 15 ታሕሳስ፣ ኣብ ሶማል ብዘካየድዎ ደብዳብ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ምዃኖም ዝተገልጹ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0