ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መንእሰይ ናብ ልምዓት ኣብ ዝወፈራ ኤርትራ ስለምንታይ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ ይሰኣን?

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መንእሰይ ናብ ልምዓት ኣብ ዝወፈራ ኤርትራ ስለምንታይ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ ይሰኣን?

Radio Erena: 21 July, 2014

ad Sawa

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ስደት ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በንጻሩ፣ ሳላ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገር ኣብ ጽቡቕ ናይ ልምዓት ጎደና ከምዘላ ምግላጹ ኣሽካዕላል’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ነቒፎም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ሳዋ ወትሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻን ዝኣመሰለ ናይ ልምዓት መደባት ይዋግፈሩ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ብግብሪ ዝርአ ዘሎ ግና፣ ማእለያ ዘይብሉ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፣ ስእነት ባኒን ማይን ዝኣመሰለ መሰርታዊ ነገራት’ዩ።

 

እቲ መንግስቲ፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ወይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መንእሰያት ኣብ ልምዓት ሃገር ተዋፊሮም ‘ተኣምራታዊ ቅያ’ ይሰርሑ ኣለዉ እናበለ ኣብ ዝምድረሉ ዘሎ ግዜ፣ ኤርትራ በንጻሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ’ውን ከተውሕስ ብዘይምኽኣላ ስግንጢር’ዩ ጥራይ’ዩ ክብሃል ዝከኣል።

መበል 27 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመረቕሉን መበል 28 ኣባላት ድማ ናብ ሳዋ ዝወረድሉን እዋን፣ እቲ ኣብ ሳዋ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን መንእሰያት ተመሪቖም ከምዝወጹ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና እቲ መዓስከር ኮለነል ደበሳይ ግደ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብወግዒ ገሊጹ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0