‘ሳዋ፣ ዳስ ሓውያ’

‘ሳዋ፣ ዳስ ሓውያ’

Radio Erena: 21 July, 2014

Al sawa

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን መበል 27 ዙርያ ተዓላሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመሪቖም ምስተባህለ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ናበይ’ዮም? እንታይ’ዩ ክጽበዮም ዝብል ሕቶታት ርዱእ መልሲ እኳ እንተለዎ..እታ ንኽንደይ ዓመታት ክጸንሑ’ዮም እትብል ግና እታ ዝዓበየት ሻቕሎት’ያ። እዛ ሻቕሎት እዚ ነፍሲ ወከፍ ሳዋ ወሪዱ ተዓሊሙ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ይኹን ኣብ ካልእ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ መንእሰይ እታ ምስ ዕድሚኡን ኣብ ሂወቱ ዘፍርዮ ዘሎ ኣበርክቶን ምስ ግዜ እናጸብጸበ ብምምዝዛን ዘልዕላ ነጥብያ።

20 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ ምእዋጅ ሃገራዊ ኣገሎግሎትን ዝነበረ ኩነታትን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕን ከሰላስሎ’የ ጀሚረ። ካብ 1994 ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመታት 27 ዙርያታት ንሳዋ ወሪደን ኣለዋ። መልክዕን ኣሰራርሓን ሳዋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐያየረ ኣብ መወዳእታ ዕላማ ሳዋ ንዝበዝሐ ኤርትራዊ እቲ ዝዓበየ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ይርከብ።

 

ዕላማታትን ትርጉምን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ናይ ኤርትራ ክውንነት ርኢኻ ቅቡል’ዩ ክብሃል ይከኣል ይኸውን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 1994 ብወግዒ ተኣዊጁ ቀዳማይ ዙርያ ንሳዋ ክወርዱ ምስ ተባህለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ብፍላይ ከኣ እቲ ተሳታፊ ዝኾነ መንእሰይ ብዓቢ ሓጎስ’ዩ ተቐቢልዎ። ሳዋ ንኤርትራውያን መንእሰያ ሕድሪ ሰማእታት ብግብሪ ንምትግባር ቀዳማይ ስጉምቲ ዝረጋገጸሉ ቦታ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ከኣ፣ መንእሰያት ኣሰር ቀዳማይ ዙርያ ብምስዓብ ካልኣይ፣ ሳልሳይ፣ ራብዓይ፣ ሓሙሻይ….እናበለ ክሳብ 27 ዙርያ ድሮ ወትሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም ኣብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ይርከቡ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዕላማታትን ትርጉምን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ናይ ኤርትራ ክውንነት ብምዝማድ ቅብል’ዩ ክብሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ፣ ቀስ እናበለ ግና ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ እንግድዑ ተጻዒኑ ዘማስኖ ዘሎ መንድዓት’ዩ ኮይኑዎ። እታ ሕድሪ ሰማእታት ብግብሪ ንምፍጻም ተበግሶ ዝውሰደላ ቦታ ተባሂላ ዝእመነላ ዝነበር ሳዋ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይ ዘዝኣተወ ብኣ ኣቢሉ ዘይምለሰላ ‘ዳስ ሓውያ’ ኮይናቶ።

ኣብዚ 20 ዓመታት መንእሰያት ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ናብ ሳዋ ከይዶም እንተዘይኮይኑ ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም ተመሊሶም ዝብል ዜና ተሰሚዑ ኣይፈልጥን’ዩ። እዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምስቲ ኣብ 1994 ዝተኣወጀን ንህዝቢ ዝተነግረን ዕላማታትን ገደብ ግዜን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝራኸብ ኣይኮነን። ናብ ሳዋ ዘዝኣተወ መንእሰይ ብኣቢሉ ከይተመልሰ ዕድመ ንእስነቱን ግዜኡ ክባኽን ምስኣስተብሃለ፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ትርጉምን ዕላማን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዝማድ፣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፋኖ እሞ ሓዳሩ ክገብር፣ ክምርዕ ክወልድ ክዘምድ፣ ነጋዳይ ንግዱ ከመሓድር፣ ሓርስታይ ማሕረሱ ከዋድድ ተማሃርይ ከኣ ትምህርቱ ክቕጽል እንተበለ ‘ሃገር ኣብ ሓደጋ እንከላ ዝፋኖ ሰብ የለን’ እናተባህለ ንሕልፈት ኣብ ዘለዎ ተገዲዱ ክነብር’ዩ ተፈሪድዎ።

ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመት ምሕረት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ መንእሰይ ኤርትራ ሕቶ ምፍናው ካብ ሰራዊት ኣልዒልዎ’ውን ኣይፈልጥን። ካብቶም ‘ንሃገር ዝያዳ ዝኾነ ካልእ ንሕና ንሓሊ’ በሃልቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብሊጹ ዝሓስብን ዝሰርሕን ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብቲ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረሉ ኩነታት ኣብ ቤቱ ንዝነበሩ ደቁ’ውን ኣብ ጎኒ ኣሕዋቶም ክስለፉ ባዕሉ’ዩ ኣፋንዩ።

ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝተረኽበሉ ካብ 2002 ክሳብ 2014 ዓመት ምሕረት ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ግና፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩሉ ካብ 17 ዓመት ዝዕድሙኡ ንላዕሊ ናብ ሳዋ ከምዝወርድ እናተገብረ ኣረጋውያን ብዘይጠዋሪ፣ ስድራቤታት ብዘይ ናባይ፣ ጤለ በጊዕን መጽዓኛን ብዘይጓሳ፣ ግራውቲ ዝሓርሶ ስኢኑ እናቓደረ፣ ትካላት ዘመሓድሮ ስኢኑ እናተዓጽወ፣ ህዝቢ ሃገር ትመውት ኣላ እሞ ዓገብ፣ ክፋኖ ንዝግብኦ ይፋኖ እንተበለ ሰማዒ’ዩ ስኢኑ። ኣይ ሰላም ኣይኩናት ኢና ዘሎና፣ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገር መን ፍለጥ መን ሕለ ኢሉካ እናተባህለ ብገዛ ውሉዱ፣ ተዘሪዑ ከምዝነብር ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዘዝተወልደ ዝበጽሖ ናይ መወዳእታ ደረጃ ሳዋ’ዩ። ሳዋ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኣኣ ሓሊፉ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ዕቤት ምስ ተሰጋገረ ብጽቡቕ ዝዝክሮ መተግበሪ መብጽዓ ሰማእታት ደኣ ክኸውን ኔርዎ እምበር፣ መባህረሪን መረመስን መንእሰይ ክኸውን ኣይምተገብአን። ኣብዚ እዋን እዚ መንእሰይ ሳዋ ክትብገስ ኢኻ እተተባሂሉ ኣብ ኣእምርኡ ዝፍጠር ነውጽን ጭንቀትን ስድራቤታት ዝወርደን ጓህን ሓዘንን ምግላጽ ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ስድራቤታት ንደቆም ብሓጎስ ዘፋንዉ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ መዓስ ከምዝምለሱ ስለዘይፈልጡ። እቲ ዝዓበየ ሻቕሎት ከኣ ካብቶም ንሳዋ ዘፋነውዎም ደቖም ዝበዝሑ ብኡ ኣቢሎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ክሓቱ ክሃድሙ ምዃኖ’ዩ።

‘ሳዋ’ ነቶም ፈስቲቫል ዘካይዱ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኤርትራውያን ናይ መዘናግዒ ቦታ ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። ኣብ ኤርትራ ንዝነብራ ብሰንኪ ሳዋ ኣባለትን ብምብትታን ፈሪሰን ዘለዋ ስድራቤታት ግና ንሳዋ ብከመይ ይገልጽኣ? ከምዚ ሕጂ ብሕሹኽሹኽ ዘይኮነ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ረሃወ ብግሁድ በእዛና እንሰምዖን በዒንትና ኸኣ እንርእዮን ሓቂ ክኸውን’ዩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሳዋ ጀሚሩ ኣበይ ከምዝውዳእ ዝፍለጥ ነገር የለን። መዓስ’ዩ ዝውዳእ’ውን እዝጊ ዋንኡ። እቶም ቅድሚ 20 ዓመት ናብ ሳዋ ዝወረዱ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ክሳብ ሕጂ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እናተባህሉ ፈቐድኡ፣ ገሊኦም ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣህላኺ ስራሕ ተጸሚዶም ኣለዎ። እዚ፣ ብዕድመን ግዜን መንእሰይ ክልካዕ እንከለኻ ወዲ 20 ዓመት ናብ ሳዋ ዝወረደ ሕጂ ወዲ 40 ዓመት ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዩ። ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ዝጽበዮ ዝነበረ ተስፋታት ሕጂ ወዲ 40 ዓመት ምስኮነ ተኣምር ክስራሕ’ዩ ኢሉ ክኣምን ከምዘይክእል ከኣ ኣብዚ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ንሱን እቶም ብስም ሃገራዊ ኣግልግሎት ምስኡ ተጸሚዶም ዘለዉ መንእሰያትን ኣዳዕዲዕም ዝፈልጥዎ’ዩ።

እቲ እንተነውሐ ንኽልተ ዓመት ሃገራዊ ግብኡ ክፍጽም ዝወጸ መንእሰይ ከይተፋነወ 20 ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣሎ። 20 ዓመት ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ቀሊል ዕድመ ኣይኮነን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ እንከሎ ዝተወልዱ ቆልዑ’ውን ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብዚ ዳስ ሓውያ ይዋሓጡ ኣለዉ። ስለዚ ብሳዋ ኣቢሉ ዝተጀመረ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዓቕሚ ሰብ ይሃንጽ ኣሎ ዶ ወይስ የብርስ፣ ካብ ምሕታት ኣብታ ሃገር ንዘሎ ውጽኢቱ ምርኣይ’ዩ ዝሓይሽ።

ነዞም ናብ ሳዋ ዝወርዱ ዘለዉ ኣባላት መበል 28 ዙርያ ገዲፍካ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዙርያ ማለት ካብ ቀዳምይ ክሳብ 27 ዙርያ ክሳብ ሕጂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሽሕ መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸንቢሩ ኣሎ። ብኣገላልጻ መንግስቲ ኤርትራ ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ኣብ ልምዓት ሃገር ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግና በብእዋኑ ዝበኣሰ ቁጠባውን ናይ መግብ መሰረታዊ ነገራትን ቅልውላው ክርአ እምበር ዝተመሓየሸ ነገር ከምዘየለ የዒንቱ ዘፍጠጠ ሓቒ’ዩ።

መንእሰይ ኤርትራ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ንዘይብሉ ተገዲዱ ወፊሩሉ ዘሎ ልምዓት፣ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብኻን ሓሊፉ ካልእ ዘምጽኦ ለውጢ ስለዘየለ፣ እቲ ዝሓሸ ንነብሱ ኮይኑ ስድርኡን ቤተሰቡን ክኣልየሉ ዝኽእል ካልእ ኣማራጺ ከናዲ’ዩ ተገዲዱ። ሓደ ካብቲ ኣማራጺታት ከኣ፣ ዝኸፈለ ዋጋ ከፊሉ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ክስደድ እሞ እታ ኣብ ጥቓ ሞት እትርከብ ስድራኡ ከድሕን’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

እዚ’ውን ናቱ ካልእ ጸገም’ዩ ከምዘለዎ ስሒትዎ ኣይኮነን። ስደት ብፍላይ ከኣ ኤርትራዊ ኮይንካ ብቀሊሉ ትሰግሮ ብድሆ ኣይኮነን። ካብታ ዶብ ንምስጋር ዘላ ናይ ምርሻን ሓደጋ ክሳብ ኣብ ሱዳን ወይ ኢትዮጵያ፣ ሰሃራ ዘሎ ሰሃሮም፣ ሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ግብጺ…..ወዘተ ዘሎ ሕሰምን ጽላሎት ሞትን ማለት’ዩ። እዚ ኹሉ ስለምንታይ እንተተባህለ፣ ካብ ሳዋን፣ ሳዋ ካብ እትወልዶ ኣደራዕን ንምህዳም’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብኦ ናይ 24 ዓመት ዕድሚኡ ብዙሕ ቁጠባው፣ ኣካዳምያውን ሃይማኖታውያን ትካላት ክብትንን ክዓጹን እንከሎ፣ በንጻሩ ግና ከም ሳዋ ዝኣመሰላ ሕማም ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ወትሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ተሃድሶን ብብዝሒ’ዩ ከፊቱ። ጌና’ውን ይኸፍት ይኸፍት ይሕሉ። ወይ ንምክፋት ይሓስብ ይህሉ። ዊዓ፣ ክሌማ፣ ምዕጢር፣ ኣደርሰር-ሓድሽ መዓስከር፣ ኣፋምቦ፣ ገደም…ወዘተ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ስምብራትን በሰላን ዝገድፋ ዘለዋ ወትሃደራውያን መዓስከራት’የን።

ብፍላይ ኣብቲ ዕድመ ንእስነቱ ዝባኽን ዘሎ መንእሰይን ዓይኒ ዓይኑ እናረኣዩ ሰቛቆ ዘስምዑ ዘለዉ ወለዱን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ መዓስ ይውዳእ ይከውን? ካብ ቀዳምይ ዙርያ ኣትሒዞም ን20 ዓመታት ብግዱድ ዕስክርና ተጸሚዶም ዘለዉ መንእሰያት መዓስ ይፋነዉ ይኾኑ? ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ሕቶ’ዩ። ካብዚ ሓንሳብ ምስኣተኻዮ መውጺኢ ዘይብሉ፣ መሽጎራጉር ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምምላጥ መንእሰይ ኤርትራ ዘይተመነዮን ዘይደለዮን ሕማማት የለን። ምኽንያቱ ካብዚ ናይ ሳዋ ሕሰም እተምልጠሉ፣ ኣምሊጥካ ከኣ ዋኒንካ እትገብረሉ እንኮ መንገዲ ብሕማም ክትፋኖ ጥራይ ስለዝኾነ።

እዚ ዝፈጠሮ ጸገም ሕደ እዋን ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ መደብ ህዝብን ፖሊስን ኣብ ዝተዳለወ መደብ፣ መንእሰያት ካብ ሳዋን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንምምላጥ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ብናይ ዝነበሩ ሰባት ናይ ሕክምን ወረቐት ኣውጺኦም ክንቀሳቐሱን ዋኒኖም ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕን ከምዝተታሕዙ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ’ዩ። ሕማማት እንተለኒ ድለዩለይ እሞ ካብ ሳዋ ክድሕን ብምባል ናብ ሓካይም ዝኸይድ መንእሰይ’ውን ማእለያ የብሉን። እዚ ብዘይካ’ቲ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝገብርዎ መሸጣታት ናይ ቦርድን መንቀሳቐሲ ወረቐትን’ዩ። ሳዋ ሓደ ኣፍደገ ንብልሽውና ምዃኑ’ውን ንእግረ መንገድና በዚ ናይ መሸጣታት ናይ ሕክምና ቦርድን መንወሳቐሲ ወረቐትን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እዚ ግና ንሰብ ገንዘብን ሰብ ኣያን ደኣ’ምበር ፣እቲ ናብራኡ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝኾነ ዝበዝሐ ኤርትራዊ መንእሰይሲ መዋጽእኡ ንሱ ባዕሉን ፈጣሪኡን ጥራይ’ዮም።

እቲ ኣብ ኣጀማምርኡ ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ ዝነበሮ ሳዋን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ስንባደን ራዕድን’ዩ ካብ ዝፈጥርሉ ሓረጋት ኮይኖም ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ ካልኦት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘጽንዑ ዘለዉ ትካላት ድማ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ሳዋን ሳዋ ዝወለደቶ ሕሰምን ምዃኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

እዞም ሕጂ ናብ ሳዋ ዝወርዱ ዘለዉ ኣባላት መበል 27 ዙርያ ዝኾኑ ቆልዑ፣ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ናብታ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣትዉዋ ዘለዉ ሳዋ ዝወጹላ መንገዲ ብዘይምህላዉ ናይ ሓቂ ዘሕዝን’ዩ። ኩሉ መንእሰይ፣ ሃገራዊ ግብኡ እናፈጸም በብግዜኡ ናብ ናብርኡን ጉዳያቱን እንተዝምለስ ንህዝብን ሃገርን ረብሓ ምኾነ። ዘዝዓኾኸ ቆልዓ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሕልፈት ንግዱድ ዕስክርና ምፍራድ ግና ብዘይካ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ንኻልእ ንወልሓደ ኣየርብሕን’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ንግዱድ ዕስክርናን ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘለዎ ተቓውሞ ብመንገዲ ስደት ዝገልጽ ዘሎ። እሞ ደኣ ሳዋ ዳስ ሓውያ ካብ ምዃን መዓስ ትገድፎ ትኸውን።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0