ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዛዕባ ዝካየድ ዘተ ንምምይያጥ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 25 July 2022

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ማይክ ሃመር ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ርክብ ንምምይያጥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ዝካየድ ቀጥታዊ ዝርርብን ዝህልዎ ውጽኢትን ክግምግም’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ብዛዕባ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤትን ገበናት ዝፈጸሙ ብሕጊ ዝሕተትሉ መስርሕን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኢትይጵያን ክልል ትግራይን ክዘራረብ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ23 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምጅማር፣ ወከልቶም ከምዝመረጹ እኳ እንተኣረጋገጹ፣ ዝራኸብሉ ዕለትን ቦታን ኣይተነጸረን።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መግለጺ፣ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ካብ 24 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ዕለታት፣ ናብ ግብጺን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን ከምዝበጽሕ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓሉ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ክመያየጥ’ዩ።

ማይክ ሃመር፣ ዓመት ንዘይመልአ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ነበር፣ ዳቪድ ሳትርፊልድ ብምትካእ’ዩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ስልጣን ተረኪቡ።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0