ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 28 November 2018

EU Asmara

ብሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ግዳማዊ ኣገልግሎታት ሕብረት ኤውሮጳ ኮአን ቨርቫኤክ ዝምራሕ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ በጺሑ።

እቲ ልኡኽ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ብ27 ሕዳር ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ምቕርራብን ኣብ ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን ተዘራሪቡ።

ንመግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሐገዝ ኣብ ምብርካት ዝርከብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን ለውጥታት እንተተራእዩ፣ ካብ ኤርትራ ዝውሕዝ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ ክጎድል ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎ።

ይኹን’ምበር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ጸገም ከምዝተኣልየ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ጽገናዊ ለውጥታት ንምክያድ ዛጊት ተበግሶ ኣይወሰደን።

 

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0