ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 21 January 2021

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዛዕባ ዝኣትወሉ ጉዳያት ብዝምልከት ንምዝታይ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ፣ ፔካ ሃቪስቶ ዝምራሕ ልኡኽ እቲ ሕብረት፣ ናብ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህጹጽ ሓገዛት ዝበጽሓሉ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ካልኦት ስበ ስልጣን ኢትዮጵያን ክዝቲ ትጽቢት ይግበር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ክኣቱ ብኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ንዝቐረብ ዘሎ ተዳጋጋሚ ጻውዒት ይነጽግ’ዩ ዘሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፣ ናብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ምእታው ክሳብ ዝፍቀድ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦ ዝወጠነ ልዕሊ 80 ሚልዮን ኤውሮ ፊናንስያዊ ድጋፍ ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ህጹጽ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክእሉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል የመልክት።

ኣብቲ ክልል፣ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ዘመልከቱ ዝተፈላለዩ ትካላት ብወገኖም፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየደ ኵናት፣ ግራውቶም ብሓዊ ዝተቓጸለ፣ ዘራእቶም ከይኣከቡ ዝሃጎገ፣ ቆፎታቶም ዝተዘምተን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉን ሓረስቶት እቶም ኣውራ ግዳያት ኮይኖም ምህላዎም የተሓሳስቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0