ላዕለዎት ወትሃደራውያ ኣዘዝቲን ስልጣንን ደቡብ ሱዳን፣ ድሕረ-ኵናት ኣብ ዝህሉ መስርሕ ምዕቃብ ሰላም፣ ህንጸትን ምርግጋእን ዘትዮም

Radio Erena: 09 December 2021

25 ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሰበ ስልጣንን ደቡብ ሱዳን፣ ድሕሪ ግጭት ኣብ ዝህሉ መስርሕ ምዕቃብ ሰላም፣ ህንጸትን ምርግጋእን ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ተመያይጦም።

ንሳቶም ኣብቲ ንሓሙሽተ መዓልታት፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ዞባ ሙሳንዘ ዘካየድዎ ዋዕላ፣ ሓንቲ ብ`ግጭታት ክትሕመስ ዝጸንሐት ሃገር፣ ተመሊሳ ናብ ሰላም፣ ርግኣትን ህንጸትን እትምለሰሉ ኣገባባት ኣብ ዝብል ነጥቢ’ዮም ብዕምቆት ዘትዮም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ርዋንዳ ክኸውን ዝተሓርየሉ ምኽንያት ድማ፣ ብዓሌታዊ ግጭት ዝሓለፈትን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ዝሓሸ ርግኣት ምስ ዘለወን እትስራዕን ርዋንዳ ተመክሮ ንምቕሳም ተባሂሉ ምዃኑ መርበባት ዜና ኣረዲኤን።

ኣብቲ ዋዕላ 16 ጀነራል፣ ኣርባዕተ ሚኒስተራትን ኣርባዕተ ድማ ኣባላት ባይቶም ደቡብ ሱዳን’ዮም ተሳቲፎም።

እቲ ናይ ዘተ ዋዕላ፣ ብሕቡራት ሃገራትን ኣካዳሚ ሰላም ርዋንዳ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካልን’ዩ ተወዲቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣስታት 20 ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብ ኵናት ግጭትን ‘የን ዝርከባ።

ካብ ሱዳን ተፈልያ ኣብ 2011 ኣትሒዛ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን ድማ ሓንቲ ካብኣተን’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0