ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኩዌትን ሕ/ኢማራት ዓረብን ኣብ ሱዳን በጺሖም

Radio Erena: 13 February 2017

Kuwait Chief

ሃገራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወትሃደራዊ ጽልውአን ንምሕያል ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ልኡኻት ንግስነት ኩዌትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም።

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኩዌት፣ ሉተናንት ጀነራል መሓመድ ካልድ ኣልኮሕደር ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብቀዳምይ 11 ለካቲት ካርቱም ድሕሪ ምእታው ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዖውፍን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሉተናንት ጀነራል ዔማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊን ብምርኻብ ኣብ ጸጥታውን ወትሃደራውይን ኩነታት እቲ ዞባ ዘትዩ።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ኩዌት፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ መዓልታት፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ዘካይዶ ዝርርብ፣ ኣብ ሓያሎ ወትሃደራዊ መዓስከራት ሱዳን ብምብጻሕ፣ ኣብ ምምራቕ ናይቶም ኣብ ሱዳን ክስልጥኑ ዝጸንሑ መኮንናት ኩዌት’ውን ተረኺቡ።

ላዕለዋይ ወትህደራዊ ልኡኽ ንግስነት ኩዌት፣ ብዛዕባ ህሉው ወትሃደራውይን ጸጥታን ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምዝርራብ ናብ ካርቱም ዘምርሐ ዘሎ፣ ኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ’ቲ ብጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሉተናንት ጀነራል ሓማድ ሞሓመድ ታኒ ኣል ሩማይቲ ኣብ ሱዳን ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ’ዩ።

ሱዳን፣ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምትሕብባር፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ናብ የመን ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣምሳያ ናይዚ’ዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ኩዌትን ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ፣ ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ሃገራዊ ሱዳን ከቀምጣ እንከለዋ፣ ነታ ሃገር ዝተፈላለየ ወትሃደራውያን ልምዓታዊ ሓገዛት የበርክታላ ኣለዋ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0