ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጅቡትን ግብጽን ብዛዕባ ወትሃደራዊ ኩነታት የመን ዘትዮም

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጅቡትን ግብጽን ብዛዕባ ወትሃደራዊ ኩነታት የመን ዘትዮም

Radio Erena: 07 April 2015

DjEg

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጅቡትን ግብጽን ኣብ ወትሃደራዊ ኩነታት የመን ብምትኳር ዘትዮም።

ኣብ ካይሮ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ብጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ጅቡቲ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራም ዝተምርሐ ላዕልዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጅቡቲ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ሰዲኪ ሶብሒ ብምብራኽብ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተኸሲቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ኩነታት ተመያይጦም።

ግብጺ፣ ነቲ ባብ ኤልመንደብ ዝሓቖፈ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ብዝልዓለ ስትራቴጂያዊ ረብሓ’ያ ትጥምቶ።

 

እዚ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ግብጽን ጅቡትን ዝተኻየደ ዝርርብ’ውን ኣብ ጸጥታ የመን ጥራይ ዘይኮነ፣ ጸጥታ’ቲ ንየመንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘዋስን ባብ ኤልመንደብ ዘተኮረ’ዩ።

ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ባብ ኤልመደብ ምስ ዘዋስነን ኤርትራን ጅቡትን ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ የመን ጠመትኣ ብዝያዳ ናብ ጅቡቲ ኣተኩራ ትርከብ።

ግብጽን ጅቡትን ነቲ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝድግፋን ኣብቲ መጥቃዕቲ ክሳተፋ ቅሩባት ምዃነን ዘረጋገጻን’የን።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ድሕሪ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ዝኾነ ምትእክካብ ከምዘይውግን ኣፍሊጡ’ዩ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0