ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዓሰብ ኣኼባ ኣካይዶም

Radio Erena: 14 June 2021

ላዕለዋት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓሰብ ኣኼባ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብወገን ኤርትራ ፣ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስን ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክሳተፉ እንከለዉ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ መንነቶምን ማዕረጎምን ዘይተነጸረ ኣስታት 10 ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ብሓሙስ 3 ሰነ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ከምዝዓለበት እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣኼብ ካብ ዓርቢ 4 ሰነ ክሳብ ሰንበት 6 ሰነ፣ ኣብ ቀጽሪ ናቫል ቤይዝ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ከምዝተኻየደ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ዕላማ እቲ ኣኼባ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣላ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ዶባት ስሒቡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ንምትካኡ ኣብ ዝግበር ስትራቴጃውያን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ግምታቶም ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኤርትራ፣ ናብ ከባቢ ተምቤን፣ ሰለኽለኻን ውቕሮን ክተኣኻኸብ ከምዝቐነየ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብዝሒ ዘለዎ ተወሳኺ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብከበድቲ ብረታት ተሰንዩ፣ ናብ ትግራይ ይወፍር ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይገልጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0