ፈረንሳ፣ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክልተ ፈጠናት ጀላቡ ብሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 13 June 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ክልተ ፈጣናት ጀላቡ ብሓገዝ ከምዝሃበ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እተን ኣብ ስልጠና፣ ናይ ድሕነት ተልእኾታትን ካልእ ህጹጽ ወትሃደራዊ ስርሒታትን ዘገልግላ፣ ብSillinger ዝፍለጣ፣ ንኣሽቱ ፈጠናት ጀላቡ፣ ዝሓለፈ ሰሙን’የን ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኸን።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ 1991 ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ዳግም ንምጅማሩ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ሓድሽ ኣርማ፣ ማዕረግን ወትሃደራዊ ኣልባሳትን ብወግዒ ንህዝቢ ኣላልዩ።

ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ክትሕግዛ፣ ኣብ 2019 ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሓ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፣ ጀነራል ክንዱ ገዙ ዝርከቦም ሓያሎ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሻርቡግን ካልእን ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ እናተዘዋወሩ ተሞክሮታት ክቐስሙ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 4 ሕዳር 2020፣ ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ኵናት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበና ኵናትን ከምዝፈጸሙ ኣብ ዝኽሰስሉ ዘለዉ እዋን፣ ፈረንሳ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ወትሃደራዊ ውዕላት ከተደስክል ብሓደ ሓደ ኣባላት ፓርላማ ፈረንሳ ጻውዒት ቀሪቡ ይርከብ።

እንተኾነ፣ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብምዃን፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ክጻረ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ክብ ትግራይ ክወጹን ናብ ህዝቢ ድማ ረዲኤት ብዘይዕንቕፋት ክባጻሕን እትሓትት ዘላ ፈረንሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ወትሃደራዊ ስምምዕ ዘለዎ ኩነታት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ፣ ንልምምድ ዘገልግላ ክልተ ፈጣናት ጀላቡ፣ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ከምዝሃበት ተገሊጹ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ እትሃንጾ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ መደበሩ ኣብ ቀላያት እታ ሃገር ከምዝኸውን’ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ ክሰርሕ ምዃኑ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምርጫ ጎስጓሳት ይጠቕስ።

እታ ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጽልዋ ብከመይ ከተምልስ ምዃና ዝገልጽ ሓበሬታ ግና ኣይሃበን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0