ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ዘትዮም

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ዘትዮም

Radio Erena: 24 October 2018

IGAD Generals

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዝምርሑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ኩነታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ብምትኳር ዘተ ኣካይዶም።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሰኑይ 22 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ተወሳኺ ስጉምታት ቅድሚ ምውሳድ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብንጹር ክግምገም ኣብ ዝብል ነጥቢ’ዮም ኣተኩሮም።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ነዚ ዝግምግሙ ዘለዉ፣ ካብ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ዝኾና ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ኡጋንዳን ዝተዋጽአ ኣስታት 4 ሽሕ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር ብ12 መስከረም ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዮም።

ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ፣ ካብ ዝተፈላያ ሃገራት ዝተዋጽአ ኣስታት 13 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እቲ ሰራዊት ኣብ ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከበርክት ብዘይምኽኣሉ፣ ካብ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ዝተዋጽአ ተወሳኺ ሰራዊት ንምውፋሩ ዝብል ውሳኔ ተበጺሑ።

ነዚ ቅድሚ ምትግባሩ ድማ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሸውዓተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ማለት ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ናይ ወትሃደራውን ጸጥታን ኩነታት ደቡብ ሱዳን ንምግምጋም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተጋብኢኦም።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ናይታ ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኪባ ዘላ ርዋንዳ’ውን ኣብቲ ዘተ ተረኺቡ ኔሩ።

ብኣንጻሩ፣ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝጀመረቶ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ ጻውዒት ዝቐረበላ ኤርትራ፣ ኣብዚ ኣብ ካርቱም ዝተጋብአ ፍሉይ ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ኣይተሳተፈትን።

ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኢጋድ ዝካየድ ዘሎ፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብምድንጓዩ ኣብታ ሃገር ሻቕሎት ፈጢርኩ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ።

እቲ ኣኼባ፣ ን3 ጥቅምቲ ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ’ዩ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ተሰጋጊሩ።

ስእሊ፣- ሱዳን ትሪቡን
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0