ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ዝኾነ ፕረዚደንት ካሜሮን ንመበል ሻውዓይ ግዜኡ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ

ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ዝኾነ ፕረዚደንት ካሜሮን ንመበል ሻውዓይ ግዜኡ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ

Radio Erena: 24 October 2018

African Dictators

ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ፣ ብሰንበት 21 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እታ ሃገር ንሻውዓይ ግዜኡ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።

እቲ ካብ 1982 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት፣ ልዕሊ 71% ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ንውጽኢት እቲ ምርጫ መስሓቕ ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ኣብ 85 ዓመት ዕድሚኡ፣ ብዕድመ ዝሸምገለ መራሒ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘሎ ፓል ቢያ፣ ንመበል ሻውዓይ ግዜኡ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ከምዝተመርጸ ምግላጹ፣ ክሳብ 90 ዓመት ዕድምኡን ልዕሊኡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዘነጽር።

ን38 ዓመታት ንዚምባብዌ፣ ዝመርሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝእለ፣ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኡ፣ ዝሸምገለ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ዩ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ናይ ዕድመ ክብረ ወሰን ሰበ ስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ብፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ተተኪኡ ኣሎ።

ፖል ቢያ፣ ነታ ካብ 1960 ኣትሒዛ ናጽነታ ዝረኸበት ካሜሩን፣ ካልኣይ ፕረዚደንታ’ዩ።

እታ ሃገር፣ ኣብዚ 58 ዓመታት ክልተ መራሕቲ ጥራይ ክበራረዩላ እንከለዉ፣ ፖል ቢያ ነቲ 36 ዓመታት ብሒትዎ ኣሎ።

ደምበ ውልቀ መለኽቲ እናተባህለት ኣብ እትግለጽ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ስልጣን ብሒቶም ይርከቡ።

ንሳቶም፣

1. ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ን39 ዓመታት
2. ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቢያ ን36 ዓመታት
3. ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ን32 ዓመታት
4. ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ን29 ዓመታት
5. ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ን28 ዓመታት
6. ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን27 ዓመታት

ካብዚኣቶም፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ካብ እትርከብ፣ ን27 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንይምሰል’ውን ዝኾነ ምርጫ ኣካይዱ ዘይፈልጥን ሃገራዊ ባይቶ ዘይብሉን እንኮ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ዩ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0