ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልሸባብ ነበር፣ ሸኽ ሙክታር ሮቦው ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሶማል ኮይኑ ተመዚዙ

Radio Erena: 03 August 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሃምዛ ዓብዲ ባረ፣ ንምክትል ኣዛዚ ኣልሸባብ ዝነበር፣ ሸኽ ሙክታር ሮብው፣ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክከውን መዚዝዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ 26 ዝኣባላቱ ካቢነ ሚኒስተር ካቢነ ሚኒስተራት፣ ሎሚ 3 ነሓሰ ብወግዒ ኣብ ዘቖመሉ’ዩ ነቲ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሙክታር ሮቦው፣ ንሓደ ካብ ላዕለዋት ጽፍሕታት መንግስቲ ሸይምዎ።

ብኣቡ መንሱር ዝፍለጥ ሸኽ ሙክታር ሮቦው፣ ነቲ ምስ ዳዒሽ ከምዝሓበረ ብወግዒ ዘፍለጠ ኣልሸባብ ብምርሕራሕ ኣብ 2015 ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢዱ ከምዝሃበ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ክዋሳእ ኣብ ዝጀመረሉ፣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተደገፉ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ታሕሳስ 2018፣ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ኣብ ቀይዲ ኣትዮሞ።

ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ ቀጽሪ ቤጽ ሕፈት ሃገራዊት ድሕነትን ጸጥታን ከም እሱር ተታሒዙ ዝጸንሐ ሸኽ ሙክታር ሮቡው፣ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ተፈቲሑ ናብ ቤተ መንግስቲ መጺኡ።

ሃምዛ ዓብዲ ባረ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ብፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ዝርቛሕ ድሕሪ40 መዓልታትዩ’ዩ ሓደሽ ካቢኒ ሚኒስተራት ኣቝሙ ዘሎ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0