ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ዘተ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ከእንግድ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 03 August 2022

ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን፣ ፈላሚ ርክቦም ኣብ ኣስመራ ብምክያድ፣ ኣብ ተኽእሎ ሓፈሻዊ ዘተ ሰላም እቲ ክመያየጡ ምዃኖም ጋዜጣ ኣል ሱዳኒ ሓቢራ።

ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቕ ሱዳን፣ ተደጋጋሚ እዋን ብቀቢላዊ ግጭታት ዝሕመስ ዘሎ ዞባ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ’ቶም ገለ ክፋሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ፣ ቀቢላታት ቤን ዓምርን ሃደንዳዋን ዝካየድ ግጭታት ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ዘተ ሰላም ሱዳን ንምትእንጋድ ተደጋጋሚ እዋን ናብ መራሕቲ እታ ሃገር ወግዓዊ ሕቶታት ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ብመንጎኝነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ቀዳማይ ዘተ ምብራቕ ሱዳን፣ ዝውከሉ ቀቢላታት ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ካብ ብሄረ ቤጃ፣ ኣመሓደርቲን ዓበይቲ ዓዲን ቤኒ ዓመርን ሃንደንዳዋን ከምኡ ድማ ወከልቲ ብሄረ ራሻይዳን ክርከቡ ትጽቢት ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ ብኤርትራ ዝተወደበ ዘተ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ንምስታፍ ላዕለዋይ ወኪሉ ክልእኽ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘተ ቀቢላታት፣ ምስቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ሓይልታት ምብራቕ ሱዳንን፡ ኣብ 2018፡ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ዘራኽብ ከምዘይብሉ ‘ውን እቶም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ኣብ ጥቅምቲ 2006 ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ከምዝተኸተመ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዓመት ከይመልአ ምፍራሱ ሰነዳት እታ ሃገር የረጋግጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    I don’t think so may he will create more problems to Sudan don’t let him that bloody killer Dictator Pig