ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 22 November 2018

US ass. Sec

ብተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጽኢ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ቲቦር ናጅ ዝምራሕ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሕ’ዩ።

እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ካብ 27 ሕዳር ኣትሒዙ ክሳብ 8 ታሕሳስ ኣብ ዘካይዶ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት፣ ምስ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ብምርኻብ፣ ኣብ ንግዲ፣ ሰላምን ጸጥታን ከምኡ ድማ ምምዕባል ዓቕሚ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ክዝቲ ምዃኑ፣ ሎሚ ሮቡዕ 22 ሕዳር ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ የነጽር።

ብዘይካ’ዚ ንሱ፣ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብምርኻብ’ውን ኣብ ወትሃደራውይን ጸጥታን ኩነታት እቲ ዞባ ክመያየጥ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክርኸብ ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሰላም ቅድሚ ምብጽሐን ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፣ ተመሳሳሊ መዝነት ዝነበሮ ዶናልድ ያማማቶ ናብ ኤርትራ ምብጽሑ ይዝከር።

ላዕለዋት ዲፕሎማሰኛት ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ፣ ኣብዚ ልዕሊ 10 ዓመታት እዚ ካልኣይ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ክሳብ እዋን’ዚ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝተመዘዘ ዲፕሎማሰኛ፣ ናብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከምዘይልኣኸት ይፍለጥ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0