ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል መኺሩ

Radio Erena: 26 May 2022

ኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ጀነራል ስቴፈን ታውሰንድ፣ ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተመያይጡ።

እቲ ጀነራል፣ ብ24 ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብዛዕባ ዳግም ምምላስ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሶማል ከምኡ ድማ ህሉው ኩነታት እታ ሃገርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተመያይጡ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሰሓቦ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ሶማል ክምለስ ዝሓለፈ ሰሙን ትእዛዝ ሂቡ’ዩ።

ብ23 ግንቦት፣ ስልጣን ካብ መሓመድ ፋርማጆ ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን፣ ኣመሪካ ናብ ሶማል ሰራዊታ ክትእልኽ ብእወታ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ስልጠና ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ስለያን ፍሉይ ስርሒታትን ዝዋፈር ኣስታት 500 ወትሃደራት ዝሓቕፈ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ሶማል ክትልእኽ ምዃና ይግለጽ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ፣ ምስቲ ኣብ ኣብ ጂቡቲ ዓስክሩ ዝርከብ ኣስታት 4500 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣመሪካ እናተወሃሃደ ክሰርሕ’ዩ።

ጀነራል ታውሰንድ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጂቡቲ ናብ ዝርከብ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ዘትዩ።

እቲ ጀነራል፣ ናብ ጂቡቲን ሶማልን ዝበጽሐ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ መራሕተን ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታን ዘተኮረ ምምኽካር’ዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ ናብ ርዋንዳ፣ ኬንያ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣንጎላን በጺሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0