ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ክቅጽል፣ ብዓብላሊ ድምጺ ተመሪጹ

Radio Erena: 26 May 2022

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ክኸውን ብ24 ግንቦት ተመሪጹ።
ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንዶ/ር ቴድሮስ ንካልኣይ እዋን ላዕለዋይ ሓላፊኡ ክኸውን ብዓብላሊ ድምጺ ዝመረጾ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቕርበሉ ንዝጸንሐ ክስታት ሸለል ብምባል’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቲ ኣባል ህወሓትን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢህወደግን ዝነበረ ዶ/ር ቴድሮስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገበናት ፈጺሙ ክብል’ዩ ክኸሶ ጸኒሑ።

ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ትግራይ መበቆል ዘለዎ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝወገነ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣለዎ ክብል ይወቅስ።

እንተኾነ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክስን ወቐሳን ፖለቲካዊ ጸለመን ንተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ዒላማ ዝገበረ ናይ ብሄር ጽልኢ ዘንቀሎ ተባሂሉ፣ ብዝበዝሓ ንዶክተር ቴድሮስ ድምጸን ዝሃባ ሃገራት ተነጺጉ’ዩ።

ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ካብ 160 ኣባላት ሃገራት እተን 156 ዶ/ር ቴድሮስ ዳይረክተር ኮይኑ ክቕጽል ደጊፈን።

ወዲ 57 ዓመት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ሚኒስተር ጥዕና፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ካልእ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲን ዘገልገለ በዓል ስልጣን ምንባሩ ይፍለጥ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዝዓበየ ብድሆኡ ምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኮይኑ፣ ኵናትን ብሰንኩ ዝስዕብ ዘሎ ስእነት መድሃኒታትን ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝስራዕ’ዩ ዝጠቅስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0