ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጂቡቲ፣ ኣብ ሶማል ምስጢራዊ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 19 October 2022

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጂቡቲ፣ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂም ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ኣብ ሶማል ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪቃ ኢንተሊጀንስ ኣቃሊሑ።

እቲ ጀነራል ብ14 ጥቅምቲ ናብ ሶማል ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ብምትካር ‘ዩ ተመያይጡ።

እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ምይይጥ ኣይተነጸረን።

ብ11 ጥቅምቲ’ውን ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምክያዱ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብግንባር ንዕቃበ ሓድነትን ደሞክራሲን ጂቡቲ ወይ ‘ፍሩድ’ ዝፍለጥ ዕጡቓት ተቓዋሚ ጉጅለ፣ ብ07 ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ታጁራ ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ መጥቓዕቲ ብምክያድ፣ ሸውዓተ ከምዝቐተለ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ምውቃሱ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣንጻር መንግስቲ ጂቡቲ ዝቓለስ ዘሎ ፍሩድ፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ወቐሳ ብምቅዋም ነቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሞ ገሊጹ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ነቲ ሽበራዊ ክብል ዝገለጾ ጉጅለ፣ ዝብገሰሉ ከባቢታት ይኹን ዝድግፍዎ መንግስታት ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝንቀሳቐስ ግና መርበባት ዜና ይእምታ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0