መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝተቖጻጸረን ከተማታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክፍቐድ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 18 October 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንሽረ፣ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጻጸረን ድሕሪ ምርግጋጽ ናብዘን ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዛ ክኣቱ ክፈቕድ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ከተማ ክካየድ ዝኽእል ዝነበረ ኵናት ብምውጋድ፣ ነተን ኣብ ሰሜንን ደቡብን ዝርከባ ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ ብምምልካት፣ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምዃን ናብ ነበርተን ረዲኤት ንምብጻሕ ድሉው ከምዘሎ’ዩ ብመንገዲ ኣገልግሎታት ኮሚኒኬሽን ኣቡሉ ብ18 ጥቅምቲ ኣሚቱ።

ብኤርትራ ዝተምርሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብ17 ጥቅምቲ ንከተማ ሽረ ከምዝተቖጻጸረ ዘረጋገጸ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ብወገኑ፣ ኣብ ከቢድ ምርብራብ ከምዝርከብ ብምጥቃስ፣ ተወላዶ ትግራይ ናብ ቃልሲ ክጽንበሩ ደጊሙ ጸዊዑ።

ዳግም ካብ ዝውላዕ ኣስታት 2 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ምስቲ ብኤርትራ ዝዋሰን ከባቢታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ንከም መዓርፎ ነፈርቲ ዝኣመሰለ ትካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ንምቑጽጻር ዝዓለመ’ዩ ክብል’ዩ ኣስሚርሉ።

እዚ ሓድሽ ወትሃደራዊ ምዕባለታት ዝኽሰት ዘሎ፣ ክልቲኦም ወገናት ምቑራጽ ተዅሲ ከተግብሩን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሱን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጻውዒት ኣብ ዘውሕዘሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጸውዐ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ብእወታ እኳ እንተተቐበልዎ፣ ኣብ ግብቲ ግና ኣወዓለን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከተማታትን ስትራቴጃዊ ቦታታትን ብምሓዝ፣ ብወትሃደራዊ ዓወት ሓደ ወገን ክዛዘም ከምዘይክእል ዝገልጹ ተንተንቲ፣ እቲ እንኮ ፍታሕ ፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ ምዃኑ የስምርሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሰራዊት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ንዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ተቕጻጺሮም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ተንተንቲ፣ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ሓይሊ ሚዛን ተቐይሩ፣ ሓይልታት ትግራይ ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ኣስታት 150 ኪሎሜተር ክሳብ ዝተርፎም ደፊኦም ምንባሮም ኣተሓሳሲቦም።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ኵናት፣ ህልቂት ሰባትን ዕንወት ንብረትን የስዕብ ምህላዉ ዘተሓሳስብ’ዩ ክብል ገሊጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0