ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1200 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክልቀቑ ኣዚዙ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1200 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክልቀቑ ኣዚዙ

Radio Erena: 12 August 2015

Holot Eri

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብሰሉስ 11 ነሓሰ ኣብ ዘሕለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ 15 መዓለታት ክልቀቑ ጸዊዑ።

ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ካብ ዘለዉ 1700 ሓተቲ እቶም ኣስታት 1200 ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሑ ብምዃኖም፣ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ተቀይዶም ኣለዉ ብዝብል’ዩ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልቀቑ ኣዘዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክተሓዙ መንግስቲ እታ ሃገር ወሲድዎ ንዘሎ ውሳኔ’ውን ተቃዊምዎ።

 

እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ንሳይልሳይ ግዜኡ’ዩ ንውሳኔ መንግስቲ ዝቃወም ዘሎ።

ባይቶ እስራኤል- ክነሰት፣ ነቲ ውሳኔ ዳግመ ግምት ክገብረሉ’ውን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ሂብዎ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እስራኤል የመልክታ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ሚርያም ናኦር ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ ድማ፣ ሓተቲ ዑቕባ ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ክተሓዙ፣ ቅዋም እታ ሃገር ዝፈቐድ ከምዘይኮነ ጠቒሳ።

“ናጽነት ደቂ ሰብ፣ መሰረት ምንባርን ህይወትን’ዩ፣” ዝበለት እታ ፕረዚደንት፣ ንመዓልቲ’ውን ትኹን እዚ መሰረታዊ ነገረ እዚ ዝሰኣነ ሰብ መሰሉ ከምዝተመንዘዐ ኣዘኻኺራ።

መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተመሓላሊፉ ዘሎ ትእዝዛ፣ እንታይ ይግብረመልሲ ክህበሉ’ዩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ወገናትን ብዓቢኡ ድማ ስደተኛታት ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ካብ 2010 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሖልቶ ክዳጎኑ ብዘሕለፎ ትእዛዝ’ዩ ኣስታት 1700 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ቀይዱ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚውን ነቶም ኣብ 2011 ዝኣተዉ ብተመሳሳሊ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ’ዚ ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ጸዊዑ ኣሎ።

ነዚ ናይ መንግስቲ እስራኤል ውሳኔ ዘየኽበረ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ብፖሊስ እንተተታሒዙ ድማ ናብቲ ዝጸንዐ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም ከምዝውሰድ ይፍለጥ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዘለዉ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ናይ መነባብሮ ሕሰምን ዘይርግኡነትን ብምፍጣር፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ወይ ድማ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክሰጋገሩ ንምግዳዶም ዝተፈላለየ ውሳኔታት ከምዘሕልፍ ዝፍለጥ’ዩ

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0