ላዕለዋይ ልኡኽ ዮርዳኖስ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 05 Januray 2016

Jordanos

ብምክልት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ቁጠባን ወፍርን ጃዋድ ዓናኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ዮርዳኖስ ኣብ ጅቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ዮርዳኖስ፣ ፔትራ፣ ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ፣ ብ2 ጥሪ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ጉለ ተራኺቡ፣ ካብ ንጉስ ዓብደላ ናይ ዮርዳኖስ ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ኣብጺሑ።

ዕላማ እቲ ዑደት፣ ጅቡቲ ኣብ ዮርዳኖስ ከተማ ዖማን ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንኽትሳተፍ ዕድመ ንምቕራብ ኮይኑ፣ ንእግረ መንገዱ’ውን ኣብ መንጎ ጅቡትን ዮርዳኖስን ሓድሽ መድረኽ ዝምድና ንምኽፋት ዝዓለመ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብቲ ርክብ፣ ሊባኖስ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ዕዳጋታታ፣ ንጅቡቲ ከም ኣፍደገ ክትጥቀመላ ኣብ ዝብል ተኽእሎ’ውን ተዘትይሉ።

ፕረዚደንት ዑመር ጉለ ብወገኑ፣ ሊባኖሳውያን ኣውፈርቲ ኣብ ጅቡቲ ንዘሎ ናይ ንግዲን ወፍርን ዕድላት ክጥቀምሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዕድመ ኣቕሪቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሊባኖስ ብሚኒስተር ንግድን ወፍርን ጅቡቲ ኢልያስ ሙሳ ድዋለ እናተመርሐ፣ ናብቲ ኣብዚ ቀረባ ዝምረቕ ሓድሽ ወደብን፣ ንኢትዮጵያ ዘራኽብ መንገዲ ባቡርን እናተዘዋወረ ተዓዚቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0