ኢትዮጵያ፣ እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ተንቀሳቒሶም ዝተባህሉ ኣመንቲ ምስልምና ንማእሰርቲ ተፈሪዶም

Radio Erena: 05 Januray 2016

Federal Court

ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ተንቀሳቒሶም ንዝበሎም 20 ኣመንቲ ምስልምና ብ3 ጥሪ ንማእሰርቲ ከምዝፈረዶም ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣብ ሓንቲ ናይ ሃይማኖት ሬድዮ ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 20 ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሸሪዓ ዝመሓደር እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራትን ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ፣ ናዕቢ ከምዘጎሃሃሩ’ውን ኣብቲ ክሲ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ብዘይካ ንሓደ ንኹሎም፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰሩ ወሲንሎም ኣሎ።

እቲ ውሳኔ፣ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ጠበቓ እቶም ክሱሳት፣ ጉዳዮም ደጊሙ ክርአ ክጠልብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2011 ኣብ መሳጊድ ዝተጎሃሃረ ናዕብን ተቓውሞን ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ሃይማኖታት ዝጠልብ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እኳ እንተገለጹ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ብሸሪዓ ዝመሓደር እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝተኻየደ ምንቕስቓስ’ዩ ክብል’ዩ ገሊጽዎ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0