ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 19 December 2016

Saudi De

ብኣማኻሪ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲን ኣቦ መንበር ቦርድ ምወላ ንልምዓትን ኣሕመድ ኣል ካትብ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብቲ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ኣቶ ወርቕነህ ገበየሁን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ናይ ጸዓት ምትሕግጋዝ ከምዝዘተየ ኣብ ግብጺ እትሕተም ጋዜጣ ኣል ኣሕራም ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ 20 ሕዳር ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ሰብ ስልጣንን እታ ሃገር ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፣ ብዘይካ’ቲ ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝፈጠረሉ ሻቕሎት፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ’ውን ከምዝዘተየ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ ብጉዳይ ሶርያ ምስ ግብጺ ድሕሪ ምስሕሓባ ናብታ ሃገር እትልእኮ ዝነበረት ነዳዳን ካልእ ሓገዝን ደው ኣቢላቶ’ያ።

ከም ተወሳኺ ስጉምቲ’ውን፣ ምስታ ብጉዳይ ናይል ምስ ግብጺ እትስሓሓብ ዘላ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ተበግሶ ክትወስድ ከምእትኽእል’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ከም መርኣያ ናይ’ዚ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዑደት ምክያዱን፣ ላዕላውይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ድማ ናብቲ ንግብጽን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ ምብጽሑን ሓያሎ ተንተንቲ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ቀዳማ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዘካየዶ፣ ቀዳማይ ጸላኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ 28 ሕዳር ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ ኣይርሳዕን።

ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ የመን፣ ኢራንን ሶርያንን ኣብ ከቢድ ወትሃደራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውያን ወጥሪ ኣብ ዝርከባሉ እዋን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሓገዝ ሃረር ዝብላን ንሓድሕደን ዘይቃደዋን ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ጅቡትን ብቀጥታ ክጸሉ ይርአ ምህላዉ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0