ግብጺ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ሰለስተ ኮይነን

Radio Erena: 16 December 2016

CPJ

ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፣ ግብጺ 25 ጋዜጠኛታት ብምቕያድ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ እንከላ ኤርትራ ከኣ 17 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካልኣይቲ ኮይና ትስዕባ ኣላ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብዝዘርግሖ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብዛ ንዛዝማ ዘሎና ዓመተ 2016 ብደረጃ ዓለም 259 ጋዜጠኛታት ተቐይዶም ኣለዉ።

ብብዝሒ ቀይዳቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ቦታ ሒዘ ዘላ ቱርኪ ክትከውን እንከላ፣ ኣብታ ሃገር 81 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣለዉ።

ብደረጃ ዓለም ካልኣይ ቦታ ሒዘ ዘላ ከኣ 38 ጋዜጠኛታት ብምቕያድ ቻይና’ያ።

ብምእሳር ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዝሓዛ ግብጽን ኤርትራን ብደረጃ ዓለም ከኣ ንቱርኪን ቻይናን ስዒበን ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፣ ኢትዮጵያ’ውን ፣ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ብደረጃ ዓለም ከኣ ሓምሸይቲ ኮይና ኣሰር ኤርትራ ትስዕብ ኣላ።

ብዘይካ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ማለት ግብጺ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዓመተ 2016 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ምስ ቀዳማኦት 10 ሃገራት ዓለም ዝተሰርዐት ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር የላን ሃገር የላን።

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ካብ ዝርከቡ ኣስታት 17 ጋዜጠኛታት እቶም፣ ዝበዝሑ ብዘይፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ንኣስታት15 ዓመታት ዝተቐየዱ ኮይኖም፣ ሃለዋቶም’ውን ኣይፍለጥን።

ኤርትራ ብብዝሒ ቀይዳቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ራብዓይ ደኣ ትሰራዕ እምበር፣ ብናጽነት ፕረስ ግና ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 189 ሃገራት ኣብ መወዳእታ’ያ ተሰሪዓ እትርከብ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝውነና ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ መደበር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝኾነ ናይ ብሕቲ ማዕከን ዜና ከምዘየለ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0