ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

Radio Erena: 21 December 2016

Qatar FM

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱል ራሕማን ኣል ታኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ካብ ኣዶሓ ዝተፈነወ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ ብሰንበት 18 ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለንኝ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ብምርኻብ ብዛዕባ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ዝመሓየሸሉ ኣገባባት ተዘራሪቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ናብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርያ እዋን’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ተቓወምቲ ኦጋዴንን ፈነወ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራን ንቀጠር ድሕሪ ምውቓሳ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ደስኪሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስ ጅቡቲ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዝሓሸ ዝምድና ከምዘለዋ ዝንገረላ ቀጠር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዝምድንኣ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላሱ ተበግሶ ወሲዳ ኣላ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ብኣማኻሪ ንጉስ ሳልማን ኣሕማድ ኣልኻጢብ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ’ዩ፣ ናብ ሃገር ኣትዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኣ ቀጠር ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ 4 ታሕሳስ ደው ድሕሪ ምባሉ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0