ሊብያ 10ታት ኤርትራውያን ክትመልስ’ያ

ሊብያ 10ታት ኤርትራውያን ክትመልስ’ያ

Radio Erena: April 23, 2014

Libya expels eritreans

ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 271 ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክትመልሶም ምዃና ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሓዞም ልዕሊ 400 ስደተኛታት ከምዘለዉ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዞም ሕጂ ነናብ ዓዶም ክሰጎም ምዃኑ ዝጠቕሶም ዘለዉ 271 ስደተኛታት ድማ ኣቐዲሞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ተጸሚዳ እትርከብ ኢጣልያ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ከቢድ ክሳራታት የጋጥማ ከምዘሎ ኣማሪራ።

 

ብፍላይ ነቲ ባሕርና ዝሰመየቶ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ከቢድ ወጻኢታት ይሓታት ከምዘሎ’ያ ጠቒሳ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ካብ ማሊን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ኣባላት ጥሩፋት ጉጅለታት ናብታ ጸጥታኣ ገና ዘይውሓሰ ሊብያ እናኣተዉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ይጽንበሩ ከይህልዉ ሃገራውት ኤውሮጳ ዘለወን ስግኣት ይገልጻ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0